Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ካሜሮን ምስ ጊኒ ከምኡ እውን ኣልጄሪያ ምስ ኣንጎላ ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 34 ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራውያ ጋንታታት ካሜሮን ምስ ጊኒ  ከምኡ እውን ኣልጄሪያ ምስ ኣንጎላ ዝገበረኦ ፀወታ 1 ን 1 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊየን።

ትማሊ ምሸት ሰዓት ክልተ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ካሜሮንን ጊኒን 1 ን 1 ማዕረ ዝተዛዘመ እንትኸውን÷ ብሕታዊት ሸቶ ካሜሮን ማሪ ማግሪን እንተመዘግባ፤ ብወገን ጊኒ ድማ ሞሃመድ ባዮ ኣመዝጊቡዋ፡፡

ምሸት ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ሃገራውያን ጋንታታት ኣልጄሪያን ኣንጎላን ብተመሳሳሊ 1 ን 1 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ።

ኣብቲ ፀወታ ኣልጄሪያ ኣብ መበል 18 ደቒቕ ቀዲማ ሸቶ ተመዝግብ እምበር፥ ኣንጎላ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 68 ደቒቕ ሸቶ ብምምዝጋባ ማዕረ ክፈላለያ ክኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.