Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝሳተፋ ዝተፈላለያ ሃገራዊ ጋንታታት ናብ ኣቢጃን ይኣትዋ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ኮትዲቯር ዝካየድ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2023 ዝሳተፋ ዝተፈላለያ ሃገራዊ ጋንታታ ናብ ኣቢጃን ይኣትዋ ኣለዋ፡፡

ትማሊ ምሸት ሻምፒዮና ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ ኮትዲቯር ዝኣተወት እንትትከውን÷ ፕሬዚዳንት እታ ሃር ማኪ ሳል ምስቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣቢጃን ኣቲዮም፡፡

ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ እውን ቅድሚ ሒደት ደቒቓታት ናብ ኮትዲቯር ኣቲያ፡፡

ኮከብ ተፃዋታይ ጋንታ ሊቨርፑል ሞሓመድ ሳላህ ዘካተተት ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ (ፈርኦናት) ፈላማይ ፀወታኣ ኣብ ዝቕፅል ሰንበት ምስ ሞዛምቢክ ክትራኸብ ኢያ፡፡

ብተመሳሳሊ ሃገራዊ ጋንታት ደቡብ ኣፍሪካን ታንዛኒያን ትማሊ ናብ ኣሰናዳኢት ሃገር ዝተኣተዋ እንትኾና÷ ሃገራዊት ጋንታ ጊኒ ቢሳው ኣቐዲማ ናብ ኮትዲቯር ዘምረሐት ፈላመይቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢያ፡፡

ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ 2023 ቀዳም ኣሰናዳኢት ሃገር ኮትዲቯር ምስ ጊኒ ቢሳው መዘነኣ ድሕሪ ቀትሪ 11 ሰዓት ብዝገብረኦ ፀወታ ክጅመር ኢዩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.