Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ጋና እንትትሰዓር ግብፂ ማዕረ ተፈላሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት አኣብ ዝተኻየደ መበል ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ፅዋዕ ጋና ብኬፕ ቨርዴ እንትትሰዓር ግብፂን ሞዛምቢክን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።

ምሸት ሰዓት 2 ኣብ ምድብ ክልተ ዝርከባ ሃገራውያን ጋንታታት ግብፂን ሞዛምቢክን ዝገበረኦ ፀወታ 2 ን 2 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ።

መርሃ ግብሪ ፀወታ ምድብ 2 ምሸት ሰዓት 5 ቀፂሉ ጋናን ኬፕ ቨርዴን ዘራኸበ እንትኸውን÷ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርዴ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ።

ኬፕ ቨርዴን ንኽትዕወት ሞንቴሮን ሮድሪጌዝን እንተመዝግቡ፥ ብሕታዊት ሸቶ ጋና ድማ ጂኩ ኣመዝጊቡዋ።

ነዚ ውፅኢት ስዒቡ ድማ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርዴ 3 ነጥቢ ብመሓዝ ነቲ ምድብ ክትመርሖ ክኢላ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.