Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ  ኣርሰናል ምስ ዌስትሃም ከምኡውን ቶተንሃም ምስ ብራይተን ዝገበርኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት  ኣርሰናል ምስ ዌስትሃም ከምኡውን ቶተንሃም ምስ ብራይተን ዝገበርኡ ፀወታታት ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

ኣርሰናል ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ዝገብርኡ ፀወታ ምሽት ሰዓት 5፡15 ዝግበር እንትኸውን፥ ኣርሴናል ኣብቲ ፀወታ ልዕልነት ብምርካብ መሪሕነት ፕሪሚየር ሊግ ካብ ሊቨርፑል መሊሶም ንምርካብ ብምዕላም ናብ ሜዳ ክኣትዉ ኢዮም።

ኣሰልጣኒ ሚኬል ኣርቴታ ኣብቲ ፀወታ ውሱን ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ክገብሩ ኢዮም ዝተብሃለ እንትኸውን፥  ስሚዝ ሮው፣ ጆርጊኒሆንን ትሮሳርድን ኣብ ቀዋሚ ኣሰላልፋ ክካተቱ ኢዮም ተባሂሉ።

ምሽት ሰዓት 4፡30 ብራይተን ምስ ቶተንሃም ኣብ ዝገብርኡ ፀወታ ድማ ብራይተን ክዕወት ኢዩ ዝብል ልዑል ግምት ተዋሂቡ ኣሎ።

ኣብ ፀወታታት ቦክሲንግ ደይን በዓል ልደትን፥ ማንቼስተር ዩናይትድ፣ ሊቨርፑል፣ ቼልሲን ማንቼስተር ሲቲን ምዕዋተን ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.