Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 2ይ ዙር ናብ ሃገር ንዝመፅኡ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ኣቀባብላ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ 30 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ ኣብ 2ይ ዙር ናብ ሃገር ንዝመፅኡ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ኣቀባብላ ይግበር ኣሎ።

ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ንዝመፅኡ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ተገይሩ።

ኣብቲ ስነስርዓት ኣቀባብላ ሚኒስትር ዴኤታታት ቱሪዝም ሌንሳ መኮንንን ስለሺ ግርማን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

እቶም ኢትዮጵያውያን “ታሪኻዊ መሰኻም ይፍለጡ” ብዝብል ኣብ ዝተሰየመ ካልኣይ ዙር መርሃ ግብሪ ናብ ሃገር እናአተዉ እንትኾኑ÷ እዚ ድማ ክሳብ 30 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ፡፡

ኣብዚ ምዕራፍ ኢትዮጵያውያን ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ብምጥቃም ታሪኽ ሃገሮም ንኽፈልጡ፣ ኣቦ ሓጎታቶም ንሃገር ዝኸፈሉዎ መስዋእትነት ንኽፈልጡ ከምዝተሰናደአ ካብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.