Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 6ይ ዙር ሓፈሻዊ መረፃ ዝተረፈን ዳግም ዝካየድ መረፃን ዝፍፀመሉ ግዘ ሰሌዳ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 6ይ ዙር ሓፈሻዊ መረፃ ዝተረፈን ዳግም ዝካየድን መረፃ ዝካየደሉ ኣፈፃፅማ መረፃ ግዘ ሰሌዳ ዕላዊ ከምዝኾነ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ተረፍን ዳግምን መረፃ ከምዝካየድ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ተረፍን ዳግምን መረፃ ዝካየድ ኣብ 6ይ ሃገራዊ ሓፈሻዊ መረፃ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ዘይተኻየደሎም ክልላት ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ዓፋር፣ ሶማሌን ማእኸላዊ ኢትዮጵያን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ 29 ክልላት መረፃ፣ ኣብ 1 ሺሕን 146 ጣቢያታት መረፃ ከምኡ እውን ኣብ 34 ጣቢያታት መረፃ ተመዛበልቲ ዝሳለጥ መረፃ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ መረፃ ዝካየድ ንትሽዓተ መቐመጢ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን 26 መቐመጢ ቤት ምኽሪ ክልልን ከምዝኾነ ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላት ቀለመወርቅ ኣፍሊጠን፡፡

ብውብርስት ተሰማን ሰሎሞን ይታየውን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.