Fana: At a Speed of Life!

ኣቴክሳስ ወዲ 18 ዓመት ተጠርጣሪ ብመጅሙዕ ተኹሲ 19 ህፃናት 2 ባፅሓትን ቀቲሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዝበፅሐ መጥቃዕቲ 19 ህፃናትን ክልተ ባፅሓትን ተቐቲሎም፡፡

ወዲ 18 ዓመት ተጠርጣሪ ብመጅሙዕ ብዝኸፈቶ ተኹሲ፥ ካብ 7 ክሳብ 10 ዓመት ዕድመ ዘለዎም 19 ህፃናት 2 ባፅሓትን ክቐትል ክኢሉ።

እቲ ተጠርጣሪ መንእሰይ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓደ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተምሃራይ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ቅድሚ ሕዚ ብምቕታል እነሓጉኡ ከምዝጥርጠር እውን ፀብፃባት ሓቢሮም።

እቲ ፈፃሚ መጥቃዕቲ ብኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝተቐተለ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ መጥቃዕቲ ኣብ ዛዘጋጠመሉ እዋን ሽጉጥን ኤ ኣር-15 ክፋል ኣውቶማቲክ ጠበንጃ ሒዙ ከምዝነበረ መርመርቲ ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.