Fana: At a Speed of Life!

ኣንበጣ ኣብ ዝተረኣየሎም ከባቢታት ብኣውሮፕላን ነፀጋ ኬሚካል ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ዝተረኣየሎም ከባቢታት ካብ ብቕድሚ ትማሊ ጀሚሩ ብኣውሮፕላን ዝተሓገዘ ነፀጋ ኬሚካል ከምዝተጀመረ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋ እፅዋት በላይነህ ንጉሴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ጎድና ጎድኒ ብኣውሮፕላን ዝተሓገዘ ነፀጋ ኬሚካል፤ ብሓይሊ ሰብን መኪናን ንምድህሳስ ኣፀጋሚ ኣብ ዝኾኑ በረኽቲ ቦታታት ዳህሳስ እናተገበረ ይርከብ፡፡

ኣንበጣ በረኻ ኣብ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ዘሎ ከባቢያዊ ኣየር (ልዑል ግመ)÷ እታ ኣውሮፕላን ብዝድለ ቅልጣፈ ስራሓ ከይትውግን ምግባሩ ኣብሪሆም፡፡

ይኹን እምበር እቲ ኩነታት ኣየር ብምፅዋር ክሳብ ሕዚ ስርሑ ከምዝቐለ ኣመልኪቶም፡፡

እኹል ቀረብ እታወት ከምዘሎ ዝገለፆ ኣይተ በላይ÷ ዝርገሐ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ብትግሃት እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.