Fana: At a Speed of Life!

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ ቀጠቀነቀ ሳሕል ዝፍፀም መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ከምዝወሰኸ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብምዕራብ ኣፍሪካ  ቀጠቀነቀ ሳሕል ዝፍፀም መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ከምዝወሰኸ ገሊፆም።

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብቲ ቀጠና ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ሃገራት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኒጀር ኒያሚ ኣትዮም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ምስ ፕሬዚዳንት ኒጀር ሞሃመድ ባዞም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ግብረ ራዕዲ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ይፍትን ከምዘሎ ገሊፆም።

በዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ግብረ ራዕዲ ብዙሓት ንፁሃን አነትቕተሉ፥ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ድማ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ገሊፆም።

እቲ ተግባር ኣብዚ ሐዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ኣብ ኣፍሪካ ቀጠቀነቀ ሳሕል እቲ መጥቃዕቲ ከምዝወሰኸ ተዛሪቦም ክብል ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።

ስለዝኾነ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ገብረ ራዕዲ ዘስዕቦ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምንጋዕ ብምግንዛብ ክቃለሶ የግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.