Fana: At a Speed of Life!

ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕሬዚዳንት ፍልስጤም ማህሙድ ኣባስ ብምርኻብ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፍልስጤም ራማላህ ዝርከቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕሬዚዳንት ፍልስጤም ማህሙድ ኣባስ ብምርኻብ ዘቲዮም።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ከምዝሓሩዎ÷ ኣብ ጋዛ እናተገበረ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይቋረፅ ኣሜሪካ ብቖራፅነት ከምትሰርሕ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣረጋጊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ፍልስጤማውያን ከይመዛበሉ ኣሜሪካ ከምትሰርሕ ምግላፆም እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣፍሊጦም።

ኣብ ዌስት ባንክ ሰላም ንኸዓስል እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ፃዕሪ ጠሚቶም ዝዘተዩ እቶም ሰብ መዚ÷ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እናበፅሐ ዝርከብ መጥቃዕቲ ጠጠው ዝብለሉ ኩነታትት እውን ኣልዒሎም።

ኣሜሪካ መሰል ፍልስጤማውያን ይኹን እስራኤላውያን ብማዕረ ንኽሕሎ ምስራሓ ከምትቕፅል ብሊንከን ምግላፆም ማዕኸናት ዜና ዘ ዊክን ኣናዶሉን ፀብፂቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.