Fana: At a Speed of Life!

ኣውሮፕላናት ረድኤት ካብ መቐለ ዝተመለሳ ኣብቲ ስፍራ ብዝርከቡ ተቖፃፀርቲ በረራ ፍቓድ ብዘይምርካበን ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2014 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ) ኣውሮፕላናት ረድኤት ትማሊ ካብ መቐለ ዝተመለሳ ብምኸኒያት ዝተገበረ መጥቃዕቲ ኣየር እንተይኮነስ ኣብቲ ስፍራ ብዝርከቡ ተቖፃፀርቲ በረራ ፍቓድ ብዘይምርካበን ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ትማሊ ማእኸል መአዘዚን መሰልጠኒ ወታደርን  ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምድብዳቡ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ዕለት ካብ መንግስቲ ፌዴራል ፍቓድ ዝተውሃበን ክልተ ኣውሮፕላን ረድኤት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓገዝ ናብ መቐለ ንምብፃሕ ንከይዓርፋ  በቶም ተቖፃፀርቲ ፍቓድ ስለዘየተውሃበን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሰን ሓቢሩ።

ኣቐባሊ ቃል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ስቴፈን ዱጃሪክእተን ኣውሮፕላናት ካብ መንግስቲ ፍቓድ ከምዝተውሃበንን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመለሳሉ ድማ በቶም ተቖፃፀርቲ ፍቓድ ስለ ዘይተውሃበን ከምዝኾነ ኣፍለጦም እዮም ኢሉ እቲ መግለፂ።

ይኹን እንበር ውሱናት መራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ ነቲ ሓቂ ገዲፎም እተን ኣውሮፕላናት ብምኽንያት መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተመለሳ ኣምሲሎም ምፅብፃቦም ዝተሰሓሓተ ከምዘኾነ ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ብጥንቃቐን እቲ ጉጅለ ራዕዲ ዝጥቀመሎም ናይ መራኸቢን መሰልጠኒ ወታደርን ጥራሕ ዒላም ዝገበረ ከምዝኸነ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ከምዚ ዝመሳሰሉ ዝተሰሓሓቱ ሓበሬታታት ብምውፃእ ሕብረተሰብ ብስኑዕ ሓበሬታ ንምድንጋር ዝገብሮም ምንቅስቓሳት ብምግንዛብ ጥንቃቐ ምውሳድ ከምዘድሊ ፃውዒት ቀሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.