Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብኻሊእ መዝገብ ኣብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ጉዳዮም ተራእዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብኻሊእ መዝገብ ኣብ ወረዳ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ከተማ ቢሸፍቱ ብምቕራብ ጉዳዮም ተራእዩ።
 
ዓቃቤ ሕጊ ኣብቲ መጋባእያ ብምቕራብ ኣብ ኢዶም ዝተረኸበ ሰነድ መጣየሺ ሽግግር መንግስቲ ዝብልን ንዘሎ ለውጢ ብምቅዋም “ለውጡ ከድጡ ወደ ማጡ” ዝብል ርእሲ ዝተውሃቦ ትሕዝቶ ፖለቲካ ዘለዎን ሕገ መንግስቲ ንምፍራስ ዓሊሙ ዝተሰናድአን ሰነድ ምድላዎም ስዒቡ ክሲ ንምምስራት ይምርምር ከምዘሎ ነቲ መጋባእያ ኣረዲኡ።
 
ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብግደኦም፥ “ሰነድ መጣየሺ ሽግግር መንግስቲ ናብ መንግስቲ ኣእትየዮ ተቐባልነት ኣይብሉን ተባሂሉ ዘቐመጥክዎ ኢዩ፤ ተሓታትነት እንተዝህልዎ መንግስቲ ተቐባልነት ኣይብሉን ኢሉ ስቕ ኣይምበለንን” ኢሎም።
 
“ለውጡ ከድጡ ወደ ማጡ” ዝብል ድማ ብብርኪ ረቂቕ ዘሎን ዘይተሓተመን ኢዩ፤ ክኽሰስ ዝኽእል እቲ ሰነድ ኣሐቲመ ወዚዐዮ እንተዝኸውን ነይረ ኢዩ፤ ኣብዛ ሃገር ሳንሱር የለን ስለዚ ሓሳበይ ኢየ ዝገልፅ ዘለኹ፤ ቤት ፍርዲ ነዚ ክርደአለይ ይግባእ” ክብሉ ተዛሪቦም።
 
“ናብ ወፃኢ ዓዲ ከይደ ዝተሓከምኩሉ ሃፍታም ነጋዳይ ስለዝኾንኩ ዘይኮንኩስ እቲ ሕክምና ኣብዚ ሃገር ስለዘየለ ኢዩ፤ ቤት ፍርዲ ነዚ ክርደአለይ ይግባእ” ክብሉ ሓቲቶም።
 
ጠበቓ ኣይተ ልደቱ ን“ደንበኘኦም” ዋሕስ ንክፍቀደሎም ንቤት ፍርዲ ኣመልኪቶም።
 
ዓቃቤ ሕጊ ከተማ ቢሸፍቱ ብግደኡ፥ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ሁውከት ብምፍጣር ብዘይሕጋዊ መገዲ ምጥያሽ መንግስቲ ንምክያድ ተሊሞም ብምንቅስቓስ ተጠርጢሮም ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ንመጋባእያ ገሊፆም።
 
ናይ ክልቲኡ ወገን ክርክር ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ፥ እቲ መዝገብ መርሚሩ ብይን ንምሃብ ንድሕሪ ሰዓት ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ኢዩ።
 
ይኹን እንበር ናይ ቅድመ ሐዚ መዝገብ ምርመራኦም ካብ ዞባ ይምፀአለይ እሞ መርሚረ ትእዛዝ ክህብ ክብል ቤት ፍርዲ ንፅባሕ ድሕሪ ሰዓት ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።
 
ብታሪክ ኣዱኛ
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
 
https://t.me/tigrignafana
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.