Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ቢኒያም ምሩፅ ይፍጠር ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኣዲስ ኣበባ ንክኸውን ተመሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ቢኒያም ምሩፅ ይፍጠር ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኣዲስ ኣበባ ንክኸውን ተመሪፁ።

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኣዲስ ኣበባ ብፕሬዚዳንትነት ንቐፀልቲ 4 ዓማውቲ ዝመርሖ ምርጫ ትማሊ ከምዘሳለጠ ኮሚሽን ስፖርት ኣዲስ ኣበባ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት እዚ 4 ሕፁያት ተወዳደርቲ ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ ኣይተ ቢኒያም ምሩፅ ይፍጠር ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ብምዃን ኣብቲ ውድድር ከምዝተዓወተ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣይተ ቢኒያም ምስ ተተካኢ ምክትል ፕሬዚዳንት ነበር ኣይተ ብርሃኑ መኮንን ርኽክብ ሰነድ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ።

ኣይተ ቢኒያም ኣበ ፃንሒቶም፥ ምስ ኣባላት ኣፈፀምቲ ስራሕ ብምዃን ውፅኢታዊ ስራሕ ንምፍፃም ቃል ኣቲዎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.