Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ታገሰ ጫፎ ምስ ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ምስ ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሳሚ ጃማል ኣብዱላህ ተዛቲዮም።

ኣይተ ታገሰ ኣብ ዘተኦም፥ ክልተአን ሃገራት ዝፀንሐን ነዊሕ ታሪኽ ዘለወንን ሃገራት ስለዝኾና፥ ብኹለመዳይ ዓውዲታት ብምትሕብባር ብምስራሕ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምስላጥ ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብምቅርራብ ምሕዝነት ፓርላማ፣ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ማሕበረሰብን ብምጥንኻር ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ስዑድ ዓረብ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ኩለመዳይ ሓገዝ ዝበረታታዕ ከምዝኾነን እዚ ብምጥንኻር ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ህዝቢታት ምርግጋፅን ከምዝግባእ ገሊጾም፡፡

ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሳሚ ጃማል ኣብዱላህ ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ዘሎ ዝፀንሐ ርክብ ብምጥንኻር ናይ ክልቲአን ሃገራት ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ከምኡ እውን ማሕበራዊን ርክብ ንምጥንኻር ተቐራሪቦም ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.