Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ ሓገዝ ከምእትገብር ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገነዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሳለጥ  ሪፎርም ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምሕጋዝ ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተሳለጠ ጉባኤ ስዑዲ ኣፍሪካ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ዝነበሮ ፃንሒት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም። ኣብ መብርሂኦም፥ እቲ ልኡኽ ምስ ዝተፈላለያ ትካላት ልምዓት ፋይናንስ ዘተ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ኮንፍረንስ ኢኮኖሚ ስዑዲ ኣፍሪካ እውን እቲ ልኡኽ ተሳትፎ ከምዝገበረ ብምሕባር፥ መንግስቲ ስዑዲን ኢትዮጵያን ኣብ ሰላምን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሕውነትን ሽርክናን ዝሓዘለ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዚ ኩነታት ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ብራኽኡ እናወሰኸ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽኣብ ዓውዲ ነዳዲን ኢነርጂን ንፈለማ እዋን ሰነድ ስምምዕነት መንግስቲ ምስ መንግስቲ ከምዝከተመ እውን ኣብሪሆም።

ዕላማ እቲ ሰነድ፥ ቀረብ ነዳዲ ናብ ኢትዮጵያ ንምፍፃም ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ፣ ነዳድን ሓይሊ ኤሌክትሪክን መስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘለወን ርክብ ዘካተተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

#Ethiopia

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.