Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ሶማሌ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ሶማሌ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ÷ “ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ማእኸል ጅግጅጋ ተረኺቦም እናተውሃበ ዝርከብ ስልጠና እውን ተመልኪቶም።

ንላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ እናተውሃበ ዝርከብ ስልጠና ኣብ ኢትዮጵያ 10 ማእኸላት ስልጠና እናተውሃበ ዝርከብ እንትኸውን÷ ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ኩሎም ማእኸላት ስልጠና ተዘዋዊሮም እናተዓዘቡ ይርከቡ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ናብ ጅግጅጋ ዝገበሩዎ ዑደት እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና እውን ኣካል እቲ ትዕዝብቲ ከምዝኾነ ካብ ማሕራዊ ሚዲያ ገፅ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ምስ ሰልጠንቲ ኣመራርሓታት ልዝብ ከምዝገብሩን ንዝቕፅል ኣንፈት መምርሒ ስራሕ ከምዝህቡን ትፅቢት ይግበር።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.