Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ልኡኽ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ልኡኽ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ተዛቲዮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸሊኹ ኣብ ዘኣተወሎም ከባቢታት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድሊ ኣብቲ ዘተ ኣልዒሎም፡፡

ኣብቶም ከባቢታት ቅድሚሕዚ ወራር ኣምበጣ ኣብ ልዕሊ ዝራእቶም ዘስዐቦ ጉድኣት እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣይተ ኣገኘሁ ከምዝገለፁዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሸሊኹ ኣብ ዘኣተወሎም ከባቢታት ዜጋታት እናቐተለ፣ ካብ መረበቶም እናመዛበለ፣ ሃፍቲን ንብረትን እናሰረቐ፣ እናዕነወን እኹል ምግቢ ከይረኽቡ እናገበረን ከምዝርከብ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ትካል ኣብቶም ከባቢታት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸቕርብ ሓቲቶም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ቀፀልቲ ኣንፈታት ክቕመጡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.