Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ዋና ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ካትሪን ራስልን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ዋና ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ካትሪን ራስልን ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓትን ሰብኣዊ ደገፍን ኣጠናኺርካ ምቕፃል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚቦም።

ኣይተ ደመቀ፥ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ስራሕቲ ደገፍ ህፃናት፣ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ኣቕርቦት ፅሩይ መስተ ማይን ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገብር ዘሎ መሻርኽቲ ልምዓት ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ዘስዕብዎ ዘለዉ ጉድኣት ብዝምልከት ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ኲናት ብዙሕ ሰብኣዊን ቁሳዊን ጉድኣት ምስዓቡ ገሊፆም።

እዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታት መሰረታዊ ኣገልግሎት ንከይረኽቡ ከመዝገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ሰብን እንስሳትን ልዑል ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎ ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ምህናፅን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብን ከም ዩኒሴፍ ዝበሉ መሻርኽቲ ልምዓት ደገፍ ከምዘድሊ ኣፅንኦት ሂቦም።

እተን ዳይሬክተር ብግደአን፥ መንግስቲ ትኹረት ኣብ ዝገብረሎም ጉዳያት ዩኒሴፍ ኩለ መዳያዊ ደገፍ ንምሃብ ድልው ከምዝኾነ መዝራበን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.