Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፀሓፊ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ ሼክ መንሱር ቢን ሙሳላም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፀሓፊ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ ሼክ መንሱር ቢን ሙሳላም ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፅሬት ትምህርቲ ንምድንፋዕ እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ኣብ ዝምልከትን ተተሓሐዝቲ ጉዳያን ኣድሂቦም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ትኹረት ካብ ዝወሃቦም ዓውዲታት ሓደ ትምህርቲ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ከም መርኣያ ድማ ካብ ዓመታዊ በጀት እታ ሃገር 20 ሚኢታዊ ነቲ ዓውዲ ከምዝስላዕ ሓሮም።

ትምህርቲ ብምስፋሕን ተበፃሕነት ብምዕባይ ብዙሕ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅሬት ዘሎ ጉድለት ንምምሕያሽ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ንዝሓዘቶ ፅሬት ትምህርቲ ናይ ምዕባይ ትልሚ ኣብቲ ዓውዲ ዝሰርሑ ዓለም ለኸ ትካላት ግደኦም ልዑል ከምዝኾ ብምግላፅ፥ ምስቶም ትካላት ዘለዋ ምትሕብባር ከምተጠናኽር እውን ተዛሪቦም፡፡

ዋና ፀሓፊ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ ሼክ መንሱር ቢን ሙሳላም፥ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ ምትሕብባር ደቡብ ደቡብ ንምድንፋዕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ኢትዮጵያ ኣብቲ ትካል ዘለዋ ግደ ክብ ንኽብል ድሌት ከምዘለዎም ብምግላፅ፥ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ትካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምግባር ሕቶ ኣቕሪቦም።

እቲ ሕቶ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ተራኢዩ ምላሽ ከምዝወሃቦ ኣብቲ እዋን ዘተ ምሕባሩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.