Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት መበል 26 ጉባኤ ለውጢ ከባቢ ኣየር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት መበል 26 ጉባኤ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣሎክ ሻርማ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ዑደት እቶም ፕሬዚዳንት ዝነኣዱ እንትኾኑ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ኣብ ጉዳይ ለውጢ ከባቢ ኣየር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ምዝታዮም ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣሎክ ሻማ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ብለውጢ ከባቢ ኣየር ዝመፅእ ፀገም ንምክልኻል እናሰርሐቶ ትርከብ ኣዕጋቢ ከምዝኾነን እዚ ድማ ንሃገራት እቲ ዞባ ተስፋ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘድህብ ጉባኤ ብኣሰናዳእነት ብሪታኒያ ክካየድ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ዘርአየቶ ቆራፅ ቅዋም ኣብነት ኮይኑ ከምዝፅራሕ እውን ገሊፆም፡፡

ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ብሓደጋታት ውሕጅ፣ ድርቂን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን እናተጠቕዓ ከምዝኾና ኣብሪሆም፡፡

ብለውጢ ከባቢ ኣየር ዝፍጠር ሓደጋ ንምንካይ ድማ ኢትዮጵያ ስትራቴጂ ሓምለዋይ ልምዓት ሓንፂፃ ተግባራዊ እናገበረት ከመትርከብ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 20 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝተሃቀነ ኣብሪም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.