Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣባላትን መሪሕነትን ማተሰኣ ዘተ አሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣባላትን መሪሕነትን ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ(ማተሰኣ) ዘተ አሳሊጦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ምስ ኣባላት፣ ዕዱማት ኣጋይሽን መሪሕነትን ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣማሪካ ዘሳለጥዎ ዘተ፥ ኣብ ህልዊ ኩነታት ዝጠመተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ንኹሎም ሰብ ስራሕን ተፈጥራዊን ማሕለኻታትን ብድሆታትን ብምፅዋር ንህዝቢ ንዝገበርዎ ደገፍ ንኢዶም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ሕዚ ድማ ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኸበ ናይ ሰላም ዕድል ብምጥቃም ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ጋህዲ ኣብ ምግባር ከምቲ ልሙድ ዳያስፖራ ተጋሩ መሪሕ ተራ ንክፃወቱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ዘተ ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ዝተለዓሉ እንትኾኑ፥ ኣብ ኩሎም ዛዕባታት ዝተማለአን ሓበራዊ ርድኢትን ዝተበፅሐሉን ፅቡቕ መንፈስ ዝተፈጠረ መድረኽ ከምዝነበረ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.