Fana: At a Speed of Life!

ኣይኦኤም ንካብ ስደት ተመለስቲ እግሪ ንምትካል ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፍ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ፈልሰተኛታት(ኣይኦኤም) ንካብ ስደት ተመለስቲ እግሪ ንምትካል ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፍ ገሊፁ።

ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ራና ጃበርን ተወካሊ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢባቱ ዋኔን ዘቲየን።

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ስሩዕ ዘይኮነ ፍልሰት ብምክልኻል፣ ነቶም ዜጋታት ዝግበር ሓለዋን እግሪ ምትካልን ጠሚታ ኢትዮጵያ ልዑል ፃዕሪ ትገብር ከምዘላ ተገሊፁ።

ስሩዕ ብዘይኮነ መገዲ ንስደት ዝተቓልዑ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ብምምላስ ናብ ስድረኦምን ዝመፅኡሉ ከባቢን ናይ ምምላስ ስራሕ ብስፍሓት ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ስሩዕ ዘይኮነ ፍልሰት ካብ ፍልፍሉ ምክልኻል ዝጠመተ ስራሕቲን ኢትዮጵያ ንዜጋታት ምቹእ ሃገር ንክትከውንን መንግስቲ ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.