Fana: At a Speed of Life!

ኣይ ኤም ኤፍ ብብርኪ ሰብሞያታት ኣብ ኣወሃህባ ዝተናወሐ ልቓሕን ሓገዝ ገንዘብን ኣመልኪቱ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ዓለም (አይ ኤም ኤፍ) ብብርኪ ሰብሞያታት ኣብ ኣወሃህባ ዝተናወሐ ልቓሕን ሓገዝ ገንዘብን ኣመልኪቱ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ኣፍሊጡ፡፡

ብሶሊና ጃይን ቻንድራ ዝተመርሐ ጉጅለ ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፣ ምስ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ፣ ምስ ምክትል ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ፍቃዱ ሁሪሶ፣ ምስ ላዕለዎት ሰብመዚ መንግስቲን ተወከልቲ ዘፈር ውልቀን ብመርበብ ሓበሬታ ተዛቲዩ፡፡

እቲ ዘተ ብዋንኡ እቲ ትካል ብኽተ ዙር ዝገምገሞ ኣወሃህባ ዝተናወሐ ልቓሕን ሓገዝን፣ ብምኽንያት ኮቪድ19 ዝበፅሕ ፅዕንቶ ብምምጥጣን ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ድሕንነት ኣብ ምርግጋፅ ምምሕያት ፖሊሲ ንጥንኩርን ኣሳታፋይን ምዕባለ ሰረት ምንባሮም ምርግጋፅን ዕላማ ዝገበረ ኢዩ፡፡

ጉጅለ ሰብ ሞያታት ኣይ ኤም ኤፍ፥ ብክልተ ዙር ዝገምገሞ ኣወሃህባ ዝተናወሐ ልቓሕን ሐገዝ ገንዘብን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ገሊፆም፡፡

እቲ ትካል ቅድሚ ሕዚ ንኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ልቓሕ ምፅዳቑ ይዝከር፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኢትዮጵያ ስርዓት ዝተናወሐ መምለሲ ልቓሕ ንኽትግብር ንኣይ ኤም ኤፍ ዝሓተተት እንትትከውን፥ እዚ ንኽሕግዝ ድማ ዝተፈላለዩ መመሓየሽቲ ፖሊሲታትን ምትግባራ ይፍለጥ፡፡

ሰብ ሞያታት እቲ ትካል ብብርኪ ሃገር ዝተተግበሩ ምምሕያሻት ኢኮኖሚያዊን ካልኦት ፖሊሲታትን ዝገምገሙ እንትኾኑ፥ እቶም መመሓየሺታት ውፅኢታዊ ከምዝነበሩ ገምጊሙ ኢዩ፡፡

ኮቪድ19 ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ከምኡ እውን ኣብ ዘፈር ጥዕና ኢትዮጵያ ዕዙዝ ፅዕንቶ ምፍጣሩ እቲ ትካል ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብሄራዊ ባንኪ ኣብ ባንኪታት ሕፅረት ገንዘብ ከየጋጥም ንምግባር ንባንኪታት ገንዘብ ብምክፍፋልዝወሰዶ ስጉምቲ ውፅኢት ምርኣዩ ተመልኪቱ፡፡

ዝተወሰዱ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሻት ኮቪድ19 ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘሕድሮ ፅዕንቶ ምንካይን ምፅዋርን ከምዘኽኣለ እውን ተገሊፁ፡፡

ኮቪድ19 ብዘስዕቦ ፅዕንቶ 23 ሚኢታዊ በፂሑ ዝነበረ ዝቕባበ ዋጋ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 19 ሚኢታዊ ምውራዱ እውን ኣብቲ እዋን ተገሊፁ፡፡

ብኣንፃሩ ድማ ሕዚ ምግቢ ተንከፍ ዝኾኑ ሸቐጣት ወሰኽ ዋጋ ከምዘርኣ ገሊፁ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 2 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ከምዝምዝገብ ዝሓበረ እቲ ጉጅለ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021/2022 ኢኮኖሚ ዓለም ከምዘንሳዕርር ብምሕባር ኢትዮጵያ 8 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ምዕባለ ክተመዝግብ ኢያ ኢሉ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ክዙን ተቐማጢ ገንዘብ እውን እቲ ዝቕባበ ዋጋ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ንምምፃእ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ምሕጋዝ ዘኽእል ኢዩ ኢሉ፡፡

ሃገር በቆል መመሓየሺ ዝነኣደ እቲ ትካል፥ እቲ መመሓየሺ ዘፈር ውልቀ ኣብቲ ኢኮኖሚ ዘለዎ ተሳትፎ ንምዕባይ ከምዘኽእል እውን ኣብሪሁ፡፡

እቲ ሕዚ ብብርኪ ሰብሞያታት ዝተበፅሐ ስምምዕነት ፀዲቑ ተግባራዊ ንኽኸውን፥ ናብ ዳይረክተራት ቦርድ እቲ ትካል ቀሪቡ ክፀድቕን ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ኣቕረብቲ ገንዘብ በቲ ዝተትሓዘ መተኣማመኒ ክርከብ ይግበኦ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.