Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ ተወዳዳሪትን ተመራፂትን ከተማ ናይ ምግባር ራኢና ክነዕውት ኢና – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባ ተወዳዳሪትን ተመራፂትን ከተማ ናይ ምግባር ራኢና ክነዕውት ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ሞሮኮ ከተማ ማራካሽ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፎረም ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ መድረኽ ከንቲባታ ኣፍሪካ ተሳቲፈን፡፡

ኣብቲ ፎረም ኣብ ሓፈሻዊ ዕድላትን ማሕለኻታትን ዕቤት ከተታት ዕድገት ከምኡ እውን ንቅልጡፍ ዕቤት ከተማታት ዓቕሚ ዝኸውን ፍልፍል ፋይናንስ ዝምልከት ልዝብ ተገይሩ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ መድረኽ ጉዕዞ ልምዓት፣ ስርዓት ፋይናንስን ኣተኻኽባ እቶትን ኣዲስ ኣበባ ዝምልከት ልምዲ ከምዘካፈላ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ፅሒፈን፡፡

ኣብቲ መድረኽ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንልምዓ ከተማታት ዝውዕል ቀረብ ሓገዝን ልቓሕን 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኣፅዲቑ ዝበላ እተን ከንቲባ÷ “ካፍቲ ድጋፍ ተጠቃሚ ንምዃን ዘኽእሉ መሰረታዊ ፕሮጀክታት ልምዓት ብምቕራብ እወዎንታዊ ምላሽ ረኺብና” ኢለን።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቅልጡፍ ለውጢ እትርከብ፣ ዝተረጋገአትን ሰላማዊትን ብምዃና÷ ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ዝተሳተፉ ዓለም ለኸን ኣህጉራዊ ትካላት ኣብታ ከተማ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፀዊዐን፡፡

ኩሎም ዕድላትን ዓቕሚታትን ልምዓት ብምትሕብባር ኣዲስ ኣበባ ተወዳዳሪትን ተመራፂትን ከተማ ናይ ምግባር ራኢና ክነዕውት ኢና ክብላ መልእኽተን ኣመሓላሊፊን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.