Fana: At a Speed of Life!

ኣገልጋላይነት ብሕይወት ክሳብ ዘለና ክንፍፀሞ ዝግባእ መምርሒ ህይት ኢዩ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልጋላይነት ኣብ ሓደ መዓልቲ ተወሊዑ ከምዝጠፍእ ሽምዓ ዘይኮነስ፤ ብህይወት ክሳብ ዘለና ክንውግኖ ዝግባእ መምርሒ ኢዩ ክብል ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ፡፡

ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ÷ 1 ጳጉሜን መዓልቲ ኣገልጋላይነት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፡፡

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

እንኳዕ ን1 ጳጉሜን መዓልቲ ኣገልጋላይነት ኣብፀሐኩም!

መላእ ኢትዮጵያዊያን ሎሚ መዓልቲ 1 ጳጉሜን 2015 ዓ.ም ንዝኽበር መዓልቲ ኣገልጋላይነት እንኳዕ ኣብፀሐኩም!!!

ሃገርን ህዝቢን ምግልጋል ኣብ ህይወት ዘበንና ዝዓበየ ዕድልን ሓላፍነትን ኢዩ፡፡ ኩሉ ሰብ ተወሊዱ በህይወት ኣብ መሬት ኣብ ዝነብረሉ እዋን ሃገሩን ማሕበረሰቡን ናይ ምግልጋል ሰብአሳዊ ሓላፍነት ኣለዎ፡፡

ይኹን እምበር ኩሉ ሰብ ማዕረ ናይ ምግልጋል ዕድል ዘይክረክብ ይኽእል ኢዩ፡፡ ኣብ ሙሉእ ዘበን ህይወቶም ሙሉእ ግዘኦም ህዝቢን ሃገርን ንምግልጋል ዕድል ዝጎናፀፉ ካብ ብዙሓት እቶም ውሑዳት ኢዮም፡፡

ብምዃ ድማ ኣገልጋላይነት ዕድልን ፀጋን ኢዩ፡፡ ኣገልጋላይነት ዕድልን ፀጋን ከምዝኾነ ተገንዚብና ድማ ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ሃገርን ህዝቢን ብዝግባእ ብምግልጋል ትርጉም ዘለዎ ህይወት ካብ ምንባር ሓሊፉ ኣካል ታሪኽ ሓንቲ ሃገር ናይ ምዃን ውሳነ ምውሳን ካብ ኩልና ትፅቢት ይግበር፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣገልጋይነት እንትንሓስ ኣብ ዝተሰለፍናሉ ዓውዲ ስራሕ ትፅቢት ዝግበረልና ሓላፍነትን ብፅሒትን ብትኽክለኛ ስምዒት ኣገልጋላይነት ብምውፃእ ንኢትዮጵያ ናይ ምግልጋል መንፈስና ነሕድሰሉ ዕለት ኢዩ፡፡

ብምዃኑ እቲ ዕለት “ንኢትዮጵያ ነገልግል” ብዝብል መሪሕ ቃል ተሰይሙ ኣሎ፡፡

ኣገልጋላይነት ኣብ ሓደ መዓልቲ ተወሊዑ ከምዝጠፍእ ሽምዓ ዘይኮነስ፤ ብህይወት ክሳብ ዘለና ክንውግኖ ዝግባእ መምርሒ ህይወት ኢዩ፡፡

ኣገልጋላይነት ናይ ዝተወሰኑ መዓልቲታት ተግባር ዘይኮነስ ሓደ ሰብ ኣብ ዘመኑ ክውግኖ ዝግባእ ማሕበረሰባዊን ሃገራዊን ሓላፍነት ብምዃኑ÷ እቲ ዕለት ዳግም ንዝበለፀ ግልጋሎት ቃልና ንሕድሰሉ ዕለት ኢዩ፡፡ እቲ መዓልቲ “ሃገረይ ነዓይ እንታይ ገይራትለይ ዘይኮነስ፤ ኣነ ንሃገረይ እንታይ ገይረ” ኢልና ንባዕልና ንሓተሉ ዕለት ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ሓደ ግልጋሎት እንትንህብ ኣረኣእያና ክኸውን ዘለዎ ካብ ረብሓ ብተወሳኺ ትውልዲን ሃገርን ንምህናፅ ዜግነታዊን ሰብኣዊን ሓላፍነትና ንምውፃእ ክኸውን ኣለዎ፡፡

ሕድሕድ ዜጋ ዘምሀሮ ሕብረሰተብ ዘለዉዎ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምፍታሕ ሓቀኛ ኣገልጋሊ ብምዃን ግቡእ ግልጋሎት ብመሃብ ዜግነታዊ ግቡኡ ክዋፃእ ይግባእ፡፡

ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.