Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ትራንስፖርት ተረባሕነት ሕብረተሰብ ብዘረጋግፅ መልክዑ ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ተረባሕነት ሕብረተሰብ ብዘረጋግፅን ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብዝሕግዝን መልክዑ ክኸውን ከምዝግባእ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስ ገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣካይዱ።

ኣብቲ ገምጋም ኣፈፃፅማ እቲ ሚኒስቴር÷ ሓዳሽቲ ኣሰራርሓታት ብምዝርጋሕ፣ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂታት ብምስንዳእን ኣብ ስራሕ ብምውዓልን ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ንምድንፋዕ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝበረታታዕ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዶክተር ኣለሙ ስሜ÷ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ ምዝርጋሕን ኣብ ምምሕያሽ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ብዕቱብ ምስራሕ ይግባእ ምባሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ዝረአዩ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕ ብቆራፅነት ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ኣሰራርሓ ድጎማ ነዳዲ ብዘተቐመጠ ኣንፈት ኣሰራርሓ መሰረት ብምግባር ተግባራዊ ብምግባር ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡

ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ኣሰራርሓ ብምፍጣር ንትራንስፖርት ተጠቃሚ ማሕብረሰብ ዝሐሸ ኣገልግሎት የድሊ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.