Fana: At a Speed of Life!

ኣግምባር ባቲ ኣሳጊታ ድፋዕ ፀላኢ ተሰቢሩ፣ እምባ ተደፊሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣግምባር ባቲ ኣሳጊታ ዘለን ዘየለን ዓቐሙ ኣተኣኻኺቡ ዝመፅ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሲሱ።

ኣርሚ 4 ዝተብሃለ ሰራዊት ፀላኢ ምስ ተደራቢ ሓይሉ ሰሙን ሙሉእ ኣናተቐጥቀጠ ትማሊ ሙሉእ መዓልቲ ኣብ ዝወሰደ ውግእ ብሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዓፋር ከምዝተሰበረ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዘደንቕ ውግእ፥ ጀጋኑ ብዝገበሩዎ ተጋድሎ፣ ፀላኢ እናተኣማመነሎም ዝነበሩ ክልተ ስትራቴጂካዊ ጎቦታት እቶም ድፋዓት ብምስባር ተቖፃፂሮም።

ኣብዚ ሰሙን ዝነበረ ውግእ ፀላኢ ናብ ሚሌ ከኣቱ እየ ብዝብል ዘተኣኻኸቦም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዕጡቓትን ሓገዝቱን ተደምሲሶም ኢዮም።

ብኣማኢት ዝቑጠሩ ተማሪኾም፤ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ናይ ነብሰወከፍ መሳርሒታት፣ ብዙሓት ስናይፐራትን መትረየሳትን ከምዝተማረኹ እውን ተሓቢሩ።

ፀላኢ ኣብዚ ግምባር ዝበፅሖ ዕንወት እቲ ናይ ትማሊ ኣዚዩ ከቢድ ከምዝኾ ተፈሊጡ።

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.