Fana: At a Speed of Life!

ኣፈላላያት ዲጂታል ንምፅባብ እናተሳለጠ ዝርከብ ስራሕ ዝበረታታዕ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈላላያት ዲጂታል ኢትዮጵያ ንምፅባብ እናተሳለጠ ዝርከብ ስራሕ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ፍሉይ ኮሚቴ ቴክኒክ ኮሙኒኬሽንን ኣይ ሲ ቲን 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ተወከልቲ ኢትዮጵያ ዲጂታል ዕቤትን ኣፈላላይን ንምፅባብ ብመንፅር ማዕቐፍ ሕጊ፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ተበፃሕነት መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርኔት)፣ ተግባራት መበረታትዒን ሓገዝን ዝወገነቶም ተግባራት ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ልዕሊ 400 ግልጋሎታት ብኤሌክትሮኒክ ተበፃሒ ምግባራ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ እዚ ድማ ብፅቡቕ ተሞክሮ ከምዝውሰድ ተላዒሉ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ግልጋሎት ኤሌክትሮኒክን ተበፃሕነት መርበብ ሓበሬታን እነሰርሐቶ ትርከብ ተግባር ብተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ናእዳ ረኺቡ፡፡

ተሞክሮ ኢትዮጵያ ተሳተፍ ሃገራት ክካፈለኦ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኮሚቴ ቴክኒክ÷ ኢትዮጵያ ሓዊሱ 35 ኣባል ሃገራ ሕብረት ኣፍሪካ እናተሳተፋ ከምዝኾና ካብቲ ሚኒስቴር ዝረጀኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.