Fana: At a Speed of Life!

ኣፈፃፅማ ውዕሊ መሸጣ ፍርያት ወፃኢ ጫት ንዘይተወሰነ እዋን ተቛሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈፃፅማ ውዕሊ መሸጣ ፍርያት ወፃኢ ጫት ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተቛረፀ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ተቕርቦም ቀንዲ ቀንዲ ፍርያታት ሕርሻ ሓደ ጫት ከምዝኾ ኣብሪሁ፡፡

ካብቲ ዘፈር ዝርከብ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ንኢኮኖሚያዊ ዕቤት ሃገር ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ልዑል ይኹን እምበር፥ ኣብ ኣወሃህባ ንግዲ ፍቓድ መልኣኺን ኣተገባብራ ፍቓድ ስራሕን፣ ኣብ ኣፈፃፅማን ግቡእን ውዕሊ ፍርያት ጫት፣ ኣብ ምሃብ ፍቓድን ኣብ ኣፈፃፅማ ክፍሊት ሸርፊ ወፃኢ ፍርያት ጫትን ጸገማት ዝረአዩሉ ስለዝኾነ፣ ካብቲ ዓውዲ ክርከብ ዝግባእ ኣታዊ እናሰኣነት ከምዝኾነት ኣመልኪቱ፡፡

ንግዲ ወፃኢ ፍርያት ጫት ፍትሓዊን ማዕረ ተረባሕትን ንምርግጋፅ ከምኡአ ውን ካብቲ ዘፈር ዝርከብ ኣታዊ ንምድንፋዕ ፍርያት ጫት ብውዕሊ ምዝገባን ምሕደራ ስርዓት ኣሰራርሓን ክካተት ብምግባር ውዕሊ ኣተገባብራ ምዝገባን ኣፈፃፅማን ፍርያት ጫት 22 ግንቦት 2022 ብቁፅሪ 01.130/32138 ብዝተፅሓፈ ደብዳበ ኣፍሊጡ ምንባሩ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ስርዓት ኣፈፃፅማ ምዝገባ ውዕሊ ዘለዉ ፀገማት ብምትዕርራይ ቀዋሚ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ክሳብ ዝከኣል ንዘይተወሰነ እዋን ኣፈፃፅማ ውዕሊ መሸጣ ፍርያት ወፃኢ ጫት ከምዝተቛረፀ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.