Fana: At a Speed of Life!

ኣፈፃፅማ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ክፍለጥ ምግባር እቲ ዓውዲ ንምዝማንን ለውጢ ንምምፃእን ዘኽእል ኢዩ – ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈፃፅማ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ክፍለጥ ምግባር እቲ ዓውዲ ንምዝማንን ለውጢ ንምምፃእን ዝሕግዝ ከምዝኆነ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ገሊፀን።

ፈላማይ ሃገራዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሎጂስቲክስ ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ መደረ ዘስማዓ ወይዞ ዳግማዊት፥ ብርኪ ኣፈፃፅማ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ስርዓት ንግዲ ወፃኢ ንምግምጋም ከምዝሕግዝ ኣብሪሀን።

ኣፈፃፅማ እቲ ዓውዲ ክፍለጥ ምግባር ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ዝፈጥር ኢዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ባንኪ ዓለም በቢዓመቱ ኣፈፃፅማ ሎጂስቲክስ ብምግምጋም ደረጃ ሃገራት ከምዘቕምጥ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ እውን ኣብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ትራንስፖርት ዓውዲ ሎጂስቲክስ ዋና ኣካል ብምግባር እናሰርሐት ከምትርከብ ተዛሪበን።

ዓለም ለኻዊ መለክዒታት ዘካተተ ብሃገር በቆል ፍልጠት ዝተዳለወ ኣፈፃፅማ ሎጂስቲክስ፥ ንዕዉትነት እቲ ዓውዲ ርኡይ ብፅሒት ከምዝህልዎ እውን ኣመልኪተን።

ኣፈፃፅማ እቲ ዓውዲ ንኽፍለጥ ምግባር ብሳይንሳዊ መገዲ ንኽምራሕ፣ ናብ ዲጂታል ኣገልግሎት ንምዕባይ፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ንምስላጥን ሕፅረት ሓበሬታ ንምካይን ከምዝሕግዝ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.