Fana: At a Speed of Life!

ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎን ኣፈ-ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገርን ኣብ ሓበራዊ መድረኽ ሃገር ለኸ መውፃእቲ ሕጊ ንምስታፍ ናብ ድሬዳዋ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ዝጅመር ሓበራዊ መድረኽ ሃገር ለኸ መውፃእቲ ሕጊ  ንምስታፍ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ናብ ከተማ ድሬዳዋ ኣቲዮም።

ሃገር ለኸ መድረኽ መውፃእቲ ሕጊ ፅባሕ ኣብ ከተማ ሃረር ምክያድ ክጅመር ኢዩ።

ካብ ኣፈ-ጉባኤታት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ብተወሳኺ ላዕለዎት ኣመራርሓ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ኣፈ-ጉባኤታት ኣቢያተ ምኽሪ ክልላትን ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ናብ ድሬዳዋ ካብ ሞንጎ ዝኣተዉ ኣካላት ይርከቡዎም።

ተሳታፍቲ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ እንትኣትዉ ኣፈ-ጉባኤ ክልል ሃረሪ ሱልጣን ኣብዱሰላም፣ ኣፈ-ጉባኤ ጉባኤ ሃረሪ ኣይተ መህየዲን ኣህመድ፣ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ድሬዳዋ ፈቲያ ኣደንን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ ተረኂቦም ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.