Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካውያን ኣብ መድረኽ ዓለም ናይ ሓባር ድምፆም ንኽስማዕ ብምውዳድ ክሰርሑ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካውያን ኣብ መድረኽ ዓለም ናይ ሓባር ድምፆም ንኽስማዕ ብምውዳድ ክሰርሑ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ሚኒስትራት ፋይናንስ ኣፍሪካ ተዋዲዶም ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ (ኢሲኤ)ክላቨር ጋቴቴን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያን ኢሲኤን ርክቦም ኣጠናኺም ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሉ ኩነታት ዘቲዮም፡፡

ኢትዮጵያን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ሓበራዊ ድምፂ ኣፍሪካውያን ኣብ መድረኽ ዓለም ንኽስማዕ ብሓባር ከምዝሰርሑ ኣይተ ኣሕመድ ኣረጋጊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ዕቤታን ልምዓታን ንምቅልጣፍ ዛዕባ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሓዊሱ ዝተፈላሉ ስጉምቲት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እናወሰደት ምዃና ኣብሪሆም፡፡

ክላቨር ጋቴቴ ብግደኦም÷ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዝተጣየሸ ነቲ ኣህጉር ብምዃኑ ኣፍሪካውያን ኣብ መድረኽ ዓለም ናይ ሓባር ድምፆም ንኽስማዕ ኢሲኤን ሚኒስትራት ፋይናንስ ኣፍሪካን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

መበል 56 ጉባኤ ሚኒስትራት ፋይናንስ ኣፍሪካ፣ ፕላንን ልምዓት ኢኮኖሚን ብኣሰናደእነት ኢሲኤ መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ ዚምባብዌ ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ጉባኤ ናብ ዘሳትፍን ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ዝግበር ፃዕሪ ብገንዘብ ዝሕገዘሉ ከይዲ ከምዝዝቲ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.