Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ዘለዋ ግደ ክተበርኽ ይግባእ-ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ዘለዋ ግደ ንክተበርኽ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ መደረ ዘስምዑ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ተሳትፎን ኣመራርሓን ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መሓዉር ፀፅታ ሰላምን ድሕንነትን ምክታት የድሊ ኢሎም።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ሓዊሱ ሜላታት ዓለም ለኸ ምምሕዳር፥ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሰንሰለት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ምእታው ዝነበራሉ እዋን ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ዓለም እንተተለወጠት እውን ዓለም ለኸ ትካላት ግን ኣብ ዘለዋሉ ደው ከምዝበላ ገሊፆም።

ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሓዊሱ ኣብ ድርድር አውን እንተኾነ መንበር ከምዘይረኸባ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ድምፃ ክተስምዕ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ እዚ ዕላዊ ንክኸወን ሃገራት ኣፍሪኪ ብማዕረ ኣብ ዓለም ለኸ ውዳበታት ምምሕዳር ክሳተፋ ኣለወን ምባሎም ዢኑዋ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.