Fana: At a Speed of Life!

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ፀብፃብ ምርጫ ንዝሳተፉ ጋዜጠኛታት ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 የካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ፀብፃብ ሃገራዊ ምርጫ ንዝሳተፉ ጋዜጠኛታት ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ምሃብ ጀሚሩ።

እቲ ስልጠና 450 ሺሕ ዶላር ወፃኢ ዝተገበረሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ስልጠና ነቶም ጋዜጠኛታት ኣብ እዋን ምርጫ ክህልዎም ዝኽእል ሓላፍነትን ግደን ሓፈሻዊ ዳህሳስ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ንመረፅቲ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምቕራብ ከመይ ከምህሩ ከምዝግባእ፣ ተኣማኒን ግልፅን ሓበሬታ ብምብፃሕ ሓላፍነቶም ከመይ ክዋፅኡ ከምዝኽእሉ ክእለት ንምጭባጥ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣብቲ ስልጠና ከምዝተኻተተ ተሓቢሩ።

እቲ ሰልጠና ብዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ፣ ኣምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካን ብሔራዊ ቦርድ ምርጫ ከምኡውን ብክፍሊ  ጆርናሊዝምን ኮሙኒኬሽንን ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብሓባር ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.