Fana: At a Speed of Life!

ኤጀንሲ ኢንፎርሜሽን መርበብ ድሕንነት ኢትዮጵያ ካብ ግብፂ ዝተሃቀኑ መጥቃዕቲታት ሳይበር ከምዘኽሸፈ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ ኢንፎርሜሽን መርበብ ድሕንነት ኢትዮጵያ 10፣ 12፣ 13ን 14ን ሰነ 2012 ዓ.ም መበገሲኦም/መንበሪኦም ግብፂ ዝኾኑ ገበነኛታት ሳይበር ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚን ፖለቲካዊን ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዓሊሞም ዝሃቀንዎ መጥቃዕቲታት ሳይበር ከምዘኽሸፈ ኣፍሊጡ።

እቲ ፈተነ መጥቃዕቲ ሳይበር፥ ሆሩስ ግሩፕ፣ ኣኑቢስ ዶት ሃከርን ሴኪዩሪቲ ባይ ፓስን ብዝተብሃሉ ኣጥቃዕቲ ሳይበር ኣቢሉ ንክፍፀም ዝተዳለወ ከምዝነበረ እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ።

እቶም ገበነኛታት ንነዊሕ እዋን ክዳለዉ ዝፀንሑን እቲ ኤጀንሲ እውን ክከታተሎም ዝፀንሐን እንትኸውን፥ ብፍላይ 12 ን13ን ሰነ 2012 ዓ.ም ልዑል ዝበሃል መጥቃዕቲ ሳይበር ንምፍፃም ፈተነ ከምዝገበሩ እቲ ኤጀንሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ እዋን 13 ናይ መንግስቲ፣ 4 መንግስታዊ ናይ ዘይኮኑ ትካላት ድረ ገፃት/መርበብ ሓበሬታታት ናይ ምጉልእላእ ፈተነ ከምዝገበሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ፈተነ ኣብ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ፣ ኣብያተ ዕዮ ድሕንነትን ድረገፃት ውልቀ ትካላትን ዘነፃፀረ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ሳይበር ሆሩስ ግሩፕ፣ ኣኑቢስ ዶት ሃከርን ሴኪዩሪቲ ባይ ፓስን ዝተብሃሉ ኣጥቃዕቲ ሳይበር ሓላፍነት ዝወሰዱ እንትኾኑ፥ ቀንዲ ዕላመኦም ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ብፍላይ ምስ ምምላእ ማይ ዝተተሓሓዘ ኣብ ኢትዮጵያ ኩለ መዳይ ፅዕንቶ ንምፍጣር ብምሕሳብ ከምዝፈፀምዎ ገሊፆም።

እቲ ፈተነ ዝተገበረሎም ትካላት ኣብዝሓ ኣብ ከይዲ ህንፀት ድረ ገፅ/መርበብ ሓበሬታ ድሕንነቶም ተሓሳቢ ዘይገበሩ ትካላት፣ ብቐፃልነት ተፍቲሽ ድሕንነት ዘይገበሩን ንሳይበር ድሕንነት ተቓላዕነት ዝነበሮምን ከምዝኾኑ እቲ ኤጀንሲ ኣረጋጊፁ።

እቲ ኤጀንሲ ኣቐዲሙ ቅድመ ምድላው ብምግባሩ ምኽኒያት እቲ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚን ፖለቲካዊን ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር ተዓሊሙ ዝተሃቀነ መጥቃዕቲታት ሳይበር ክኸሽፍ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ።

እቲ ተግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅሎ እውን ኣፍሊጡ።

ብቐፃሊ ተመሳሰልቲ መጥቃዕቲታት ብስፍሓት፣ ብዝተራቐቐ መገዲን ክህቀን ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ውልቀ ሰባት ይኹኑ ትካላት .et domain ቅድሚ ምጥቃሞም ድሕንነት መርበብ ሓበሬተኦም ብምርግጋፅ ክጥቀሙ፣ ንባዕሎም ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ድሕንነት ንምክልኻልን ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ እውን ተገሊፁ።

እቶም ትካላት ምስቲ ኤጀንሲ ብምትሕብባር ዘለዎም ተቓላዕነት ድሕንነት ክዓብሱ ከምዝግባእን ዝተፈላለዩ ፈተነታት ሳይበር እንተጋጥሞም ይኹን ሙያዊ ሓገዝ እንተድሊዮም ነቲ ኤጀንሲ ብምፍላጥ/ብምሕባር ኣድላዪ ምትሕብባር ክረኽቡ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.