Fana: At a Speed of Life!

እምነት ሽፋን ብምግባር ዛዕባ ፖለቲካ ንምስጓም ዝፍትኑ ኣካላት ብሓባር ምቅላስ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እምነት ሽፋን ብምግባር ዛዕባ ፖለቲካ ንምስጓም ዝፍትኑ ኣካላት ብሓባር ምቅላስ ከምዝግባእ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኮሚሽን ፖሊስ አኣዲስ ኣበባን ኣብ ስራሕቲ ሰላምን ልምዓትን እታ ከተማ ብምድሃብ ምስ ኣቦታት ትካላት ሃይማኖት ተዛቲዮም፡፡

ሓላፊት እቲ ቢሮ ሊዲያ ግርማ÷ ኣብ ውሽጢ ትካላት ሃይማኖት ብዝርርብ ክፍትሑ ዘለዎም ውሽጣዊ ጉዳያት ናብ ደገ እናወፅኡ ዛዕባ እንትኾኑ ከምዝረአ ኣልዒለን፡፡

እምነት ሽፋን ሽፋን ብምግባር ዛዕባ ፖለቲካ ንምስጓም ዝፍትኑ ኣካላት ብሓባር ምቅላስ ከምዝግባእ እውን ተዛሪበን፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ብግደአን÷ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምህዋኽ ካብ ውሽጢን ደገን ሚዲያታት እንተይተረፈ ብምትሕብባር ዝግበሩ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ከምዘለዉ ኣብሪሆም፡፡

ኣቢያተ እምነት ፀገም እንተጋጥመን ምስ ዝምልከቶም ውዳበታት መንግስቲ ብምዝርራብ ምፍታሕ ከምዝግበኦም ምግንዛቦም ሓበሬታ እቲ ቢሮ የመላኽት፡፡

ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣዲስ ኣበባ መጋቢ ታምራት ኣበጋዝ÷ ሃይማኖታት ዝተመስረቱሉ ቀንዲ ዕላማ ሰላም ብምዃኑ፤ ሰላም ንምርግጋፅን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ናይ ምግባር ግደአን ክዋፀኣ ይግባእ” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ኣቦታት እምነት እውን ኣብ ኣቢያተ እምነት ብሓደ ሓደ ኣካላት ዝፍነዉ ጎንፂ ዝጉስጉሱ ተግባራት ንሰላምን ድሕንነትን ሃገርን እታ ከተማን ክብሉ ጠጠው ንኸብሉ ክምዕዱዎም ከምዝግባእ ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.