Fana: At a Speed of Life!

እምነ ኩርናዕ ህንፀት ኤምባሲ ኤርትራ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)እምነ ኩርናዕ ህንፀት ኤምባሲ ኤርትራ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከባቢ ሰድስት ኪሎ ኣዲስ ኣበባ ተነቢሩ።

እቲ ኤምባሲ፥ መንግስቲ ኤርትራ ከምብሓዱሽ ዘህንፆ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ብሓባር ብምዃን ኣብ ከባቢ “ሃምሌ 19 መናፈሻ” እቲ እምነ ኩርናዕ ኣምቢረሙዎ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ቦታ ንመነግስቲን ህዝቢን ኤርትራ ብመልክዕ ውሀብቶ ዝተለገሰ ኢዩ ኢሎም።

ህንፀት እቲ ኤምባሲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ረኽቢ ብዝበለፀ ክጠናኸር ዝገብር ኢዩ እውን ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደት ክልቲአን ሃገራት ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንምፍጣር ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለወን ርእይና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ኣኣ ረብሓ ንምውዓል ከምዝተዛተዩ ሓቢሮም።

ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ካብ ድኽነት ንምውፃዕ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና እውን ኢሎም።

2020 ዓ.ም.ፈ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ መፈለምታ ዓመት ምዕባለ ክኸውን ኢዩ ክብሉ ድማ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግደኦም፥ እቲ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ዘሐጉሱ ኩነት ዝተርኣይሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ትማሊ ንጎሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ናይ ክልተ መዓልታት ፃንሒቶም ፓርኪ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዑደት ኣካይዶም ኢዮም።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.