Fana: At a Speed of Life!

እስራኤልን ሃማስን ንኣርባዕተ መዓልቲታት ተኹሲ ንምቁራፅ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኲናት ዝርከቡ እስራኤልን ሃማስን ንኣርባዕተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ከምዝገበሩ ተገሊፁ፡፡

እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ብኳታር ሸምጋላይነት ኣብ ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ምስጢራዊ ድርድር ዝተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ተዋጋእቲ ተኹሲ ዘቋርፁሉ እዋን ኣብ ዝቕፅሉ 24 ሰዓታት ዕላዊ ከምዝግበር ተሓቢሩ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት÷ ሃማስ ክሳብ ሕዚ ዓጊቱ ዝሓዞም 50 እስራኤላውያን ንምልቓቕ ከምዝተስማዕመዐ ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

እስራኤል ብግደኣ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ 150 ፍልስጤማውያን ከምትፈትሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ፡፡

እቲ ስምምዕነት ካብዚ ብተወሳኺ÷ ብኣማኢት ዝቑፀራ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ነዳዲን ኣፋውስን ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ናብ ጋዛ ክኣትዋ ዘኽእል ኢዩ ዝብል ኢዩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.