Fana: At a Speed of Life!

እስራኤልን ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብን ቀዳማይ ስምምዕነት ቀረፅ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤልን ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብን ቀዳማይ ስምምዕነት ቀረፅ ተፈራሪመን።

ሚኒስትር እቶት እስራኤል ከምዘፍለጦ፥ እተን ሃገራት ሓለዋ ኢንቨስትመንት ዘካተተን ፈላማይ ዝኾነን ስምምዕነት ቀረፅ ተፈራሪመን፡፡

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝግበር ፍሰት ኢንቨስትመንት ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ተደጋጋሚ ቀረፅ ንምትራፍ ከምዝሕግዝ ንመግለፂ እቲ ሚኒስቴር ብምፅራሕ ሺንዋ ፀብፂቡ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ልውውጥ ንግዲ እተን ሃገራት ንምቅልጣፍ ምትሕብባር ቢዝነሰን ንምዕባይ ከምዝሕግዝ እውን ተሓቢሩ፡፡

ፍትሓዊ ልውውጥ ንግዲ ምግባር፣ ልውውጥ ሓበሬታ ሓዊሱ ኣብ እዋን ልውውጥ ንግዲ ቀረፅ ንምንካይ ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2020 ክልቲአን ሃገራት ብኣደራዳራይነት ዋሸንግተን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ንምሕዳስ ምስምዕመዐን ይዝከር፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.