Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ መርሃ ግብሪ ሚሳኤል ኢራን ሓዱሽ ማዕቐብ ንኽንበር ፃውዒት ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ትፅቢት ዘይተገበረሉ መጥቃዕቲ ኣብ ግዝኣታ ምብፅሑ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መርሃ ግብሪ ሚሳኤል ኢራን ሓዱሽ ማዕቐብ ንኽንበር ፃውዒት ኣቕሪባ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ናይ መልሲ ስጉምቲ ክትወስድ ኢያ ብዝብል ብዙሓት እናተፀበዩ ይኹኑ እምበር፤ እስራኤል ግን ብዲፕሎማሲያዊ መገዲ ምላሽ ንመሃብ እናፈተነት ምዃና ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ጋዛ ዘሎ ትኹረት ምህሳሱ ስዒቡ እስራኤል ብመጠኑ ዝተገለለት ከምዘምሰላን እዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ምግባር ከምትቕፅለሉ ተስፋ ምግባራ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሳኺ ማዕቀብ ንኽንበር ን32 ሃገራት ደብዳበ ምፅሓፋ ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ኣብ መርሃ ግብሪ ሚሳኤል ኢራን ዝንበር ማዕቐብ ከምዝውስኽ ገሊፆም።

ውድብ ሕራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብ መርሃ ግብሪ ሚሳኤል ኢራን ዘንበሮ ተኸታታሊ ማዕቐብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ግዚኡ ምብቅዑ ተሓቢሩ፡፡

ይኹን እምበር ኣሜሪካ፣ ብሪታኒያን ሕብረት ኣውሮፓን ሓዊሱ ሃገራት ዝርከበኦም ኣደሽቲ ማዕቐባት ምንባር እናቐፀሉ ይርከቡ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ንኢራን እናመሓደረ ዝርከብ እስላማዊ ኣብዮታዊ ሓለዋ ኮርፖሬሽን ግብረ ራዕዲ ትካል ተባሂሉ ንኽፍረጅ ፃውዒት ምቕራቦም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣሜሪካ ኣቐዲማ ነቲ ምምሕዳር ብግበረ ራዕዲ ከምዝፈረጀቶ ዝገለፀ እቲ ፀብፃብ፤ ብሪታኒያ ግን ከምዘይፈረቶ ኣመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.