Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ምብራቕ ራፋህ ዝተዓቖቡ ዜጋታት ንኽወፅኡ ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምብራቕ ራፋህ ዝተዓቖቡ ዜጋታት ጋዛ ንኽወፅኡ ጦር እስራኤል ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ወጥሪ ነጊሱ ዘሎ ኣብ ጋዛ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንምዕሳልን ዝተዓገቱ ንምፍታሕን ዝዓለሙ ዝርርባት ክቋረፁ ምዃኖም ስዒቡ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብኻእ መዳይ ሃማስ ናብ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ናብ ዘገልግል ጥቓ መቋረፂ ኬረም ሻሎም 10 ሮኬታት ምውንጫፉን በቲ መጥቃዕቲ ወታደራት እስራኤል ከምዝተቐተሉን እታ ሃገር ኣፍሊጣ፡፡

ነቲ መጥቃዕቲ ጉጅለ ዕጡቕ ሃማስ ሓላፍነት ከምዝወሰደን ዒላማኡ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት እስራኤል ዘነፃፀረ ከምዝኾነን ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ ጦር እስራኤል ንመቋረፂ ኬረም ሻሎም ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ ከምዝዓፀዎን ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ከተማ ራፋህ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 12 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.