Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ከተማ ጀኒን ባንኪ ዌስት መጥቃዕቲ ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ከተማ ጀኒን ባንኪ ዌስት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ፍሊስጤማዊያን መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈፀመት ኣፍሊጣ።

ሚኒስቴር ጥዕና ፍልስጤም ንቢቢሲ ከመዝበልዎ፥ እስራኤል ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ድሮን ሰለስተ ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 20 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ተዛሪቡ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብግደኡ፥ ኣብ መዓስከር ጄኒን ዝሰፈረ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ መሰረተ ልምዓታት ብምፍላይ ይወቅዕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቶም ግብረ ራዕዲታት ነጢ መዓስከር ከም መሕብኢ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት እናብፅሑ ስኽ ኢልና ኣይንርእይን ዝበለ እቲ ሰራዊት፥ “እቶም መዓስከራት መሕብኢ ግብረ ራዕዲታት ኢየን” ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.