Fana: At a Speed of Life!

እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ቴክኒክን ሞያን ዝተትሓዙ ትልሚታት ልምዓት ንምዕዋት ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እናተሰናድአ ዝርከብ እቲ ሓዱሽ ፖሊሲን ስትራቴጂን ትምህርቲን ስልጠናን ቴክኒክን ሞያን በቢዘፈሩ ዝተትሓዙ ትልሚታት ልምዓት ንምዕዋት ዝሕግዝ ከምዝኾነ መዳርግቲን መሓዙትን ኣካላት እቲ ዓውዲ ገሊፆም።

ይህ የተገለጸው ኤጀንሲው በዘርፉ ፖሊሲና ስትራቴጂው ላይ ግንዛቤ ለመፍጠር ባዘጋጀው መድረክ ላይ ነው

እዚ ዝተገለፀ፥ ኤጀንሲ ትምህርቲን ስልጠናን ቴክኒክን ሞያን ብዛዕባ እቲ ሓዱሽ ፖሊሲን ስትራቴጂን ግንዛበ ንምፍጣር ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ኢዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ትካላት ፌዴራል፣ መሓዙት ትካላትን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ትካላትን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ዝተዳለወ ሓዱሽ ፖሊሲን ስትራቴጂን ቴክኒክን ሞያን ቀሪቡ ዘተ ተገይሩሉ፡፡

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ሓለፍቲ ስራሕ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ፖሊሲ ቅድሚ ሕዚ ዝለዓሉ ዝነበሩ ፀገማት ዝፈትሕ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ በቲ ዓውዲ ዝተትሓዙ ሽቶታት ልምዓት ንኽዕወቱ ዝሕግዝ ኢዩ፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ሃብታሙ ክብረት ብግደኦም፥ ኣብ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲን ስልጠናን ዝተቐመጡ ምኽረ ሓሳባት መሰረት ብምግባር ዝተሰርሐ ፖሊሲ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.