Fana: At a Speed of Life!

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ፈተና 12 ክፍሊ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ 2014 ዓ.ም ብዕዉት ኩነታት ንምሃብ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ 2014 ዓ.ም ብዕዉት ኩነታት ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ንምሃብ ምድላቱ ከምዝዛዘመ ገሊፁ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ፈተና 12 ክፍሊ ኣብ ቀፅ ዩኒቨርሲቲ ዝወሃበሉ ምኽንያት፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣወሃህባ ፈተና እናሃወኸ ዝነበረ ምስራቕ ፈተናን ዝርገሐ ናይ ሕሶት መልሲን ንምክልኻል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ÷ እዚ ንምትግባር ሙሉእ ምድላው ከምዝገበረ ገሊፁ።

ተፈተንቲ በቢከባቢኦም ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ፈተና ዝወስዱ እንትኾኑ÷ ብዝተቐመጡ መምርሒታት መሰረት ብምግባር ድሕንነት እቲ ፈተና ንምሕላው ዝዝተወሰነ ውሳነ ኣኽቢሮም ንኽፍተኑ፤ ወለዲ እውን እቲ ዕላማ ንምዕዋት ኣስተዋፅኦ ንኽገብሩ ተሓቲቱ።

ብቆንጂት ዘውዴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.