Fana: At a Speed of Life!

እቲ ግብረ ራዕዲ ዘብፅሖ ዘሎ ጥፍኣት ብሓባር ምምካት ይግባእ-መጅሊስ ክልል ኦሮሚያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዘብፅሖ ዘሎ ጥፍኣት ብሓባር ምምካት ይግባእ ክብል መጅሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

እቲ መጅሊስ ኣብ ከተማ ኮምቦልቺ ንዘለዉ ተፈናቐልቲ 10 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎ ናይ ምግቢ፣ ኣልባሳትን ናውቲን ድጋፍ ገይሩ።

ኣተሓባባሪ እቲ ድጋፍ ሸህ መሃመድ ዛኪር፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ካብ ደቂ ሰባት ትፅቢት ዘይግበር ዘግናኒ ተግባር ጀከምዝፈፀመ ተዛሪቦም።

እቲ ወራሪ ጉጅለ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ኩለ መዳያዊ ጥፍኣት ምፍፃሙ ከምዝቐፀለ እውን ተዛሪቦም።

“በቲ ናይ ጥፍኣት ተግባር ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ብሓባር ብምዃን ተደጋጊፍና እቲ ፀገም ምምካትን ምሕላፍን ይግባር” ኢሎም።

መጅሊስ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሰበታ፣ ቡራዩ፣ ዱካምን ሱሉልታን ከምኡውን አል ኢህሳን ግብረ ሰናይ ማሕበርን ካልኦት ኣካላትን ብምትሕብባር 10 ሚሊየን ብር ዝግመት ድጋፍ ምግባሩ ሸህ መሃመድ ገሊፆም።

እቲ ድጋፍ ሕሩጭ፣ ሩዝ፣ ማኮረኒ፣ ዘይቲ፣ ናውቲታት መብሰሊ ምግቢን ዝተፈላለዩ ኣልባሳትን ንተፈናቐልቲ ከምዝተበርከተ ተዛሪቦም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.