Fana: At a Speed of Life!

እናተኸለሰ ኣብ ዘሎ ፖሊሲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዘተኮረ ምስ ተፀዋዕቲ ኣመራርሓታት ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እናተኸለሰ ኣብ ዘሎ ፖሊሲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዘተኮረ ምስ ተፀዋዕቲ ኣመራርሓታት ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ፖሊሲ ናብ ኣመራርሓታትን ሓፈሻዊ ፈፀምቲን ተፀዋዕቲ ትካላት ክወርድ ንምግባር ዝዓለመ ዘተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ከይዲ ምሕንፃፅ እቲ ፖሊሲ ዝነበረ ተሳትፎ ናብ ኩሎም ትካላትን ፈፀምቲን ብምስፋሕ እታወት ምእካብን ሓበራዊ ዝኾነ ግንዛበ ምርካብ ስለዘድሊ ከምዝተዳለወ መድረኽ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዶክተር ያኒያ ሰይድ ከምዝበለኦ፥ እቲ ፖሊሲ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ይኹን እምበር ሰብዋንኡ ብተፀዋዕቲ ትካላት እቲ ሚኒስቴር ስለዝኾነ እተን ትካላት ብሓባር ናይ ምምራሕ ግደኦም ንኽዋፅኡ ትፅቢት ይግበር።

ካብቲ መድረኽ ዝርከብ እታወት ብምውሳኽ ድማ ኣብ ቀፃሊ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን መልክዕ ብምትሓዝ ነቲ ዓውዲ ሓበሬታ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ንምህናፅ ዘበናዊ ስርዓት ቴክኖሎጂ ዝመርሖ ኢኮኖሚ ዘኽእል ዓቕሚን እቲ ፖሊሲ ንምትግባርን ውፁእ ዝኾነ ብርኪ ግንዛበ ምብፃሕ ከምዝግባእ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.