Fana: At a Speed of Life!

እንግሊዝን ዴንማርክን ተዋጋእቲ ንዝነበሩ መሊስካ እግሪ ንምትካል ኣብ ዝሳለጥ ስራሕ ሓገዝ ከምዝገብራ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስ ክራ ስንድበጀርግን ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት እንግሊዝ ፓውል ዋልተር ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ፥ ብዛዕባ ዕላማ እቲ ኮሚሽን፣ ፕሮግራም መረት ዝገበሩ ቀንዲ ቀንዲ ሽቶታትን እቲ ልኡኽቶ ንኽዕወት ግደ መሓዙት ልምዓትን ዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ንስራሕቲ ኮሚሽንን ከምዝድግፉ ኣልዒሎም፡፡

ብፍላይ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ብምግባር፥ ነበር ተዋጋእቲ መሊስካ እግሪ ንምትካልን ኣካል ሰላምን ልምዓትን ንምግባርን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዝዝድግፉ ምርግጋፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.