Fana: At a Speed of Life!

እዋን ምዝገባ መረፅቲ ናብ 16 መጋቢት ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዝገባ መረፅቲ ቅድም ክብል ካብ ዝተትሓዘሉ 22 ለካቲት 2013 ዓ.ም ናብ 16 መጋቢት 2013 ዓ.ም ከምዝተናወሐ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ምዝገባ መረፅቲ ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ን6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምዝገባ ሕፁያት እናካየደ ከምዝርከብን በመሰረት እቲ ግዘ ሰሌዳ ቀፂሉ ዝካየድ ዋና ተግባር ምዝገባ መረፅቲ ከምዝኾነን ኣብሪሁ ኢዩ።

እቲ ቦርድ ስራሕቲ መረፃ ምስላጥ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ካብ ሞንጎ ዘጋጠሙዎ ምሓለኻታት ምድላው ቢሮታት ክልል መረፃ ምድንጓ፣ ኣብ ዝተወሰና ክልላት ኣድላዪ ቢሮታት ተዳሊዮም ብዘይምውደኦም ብመሰረት እቲ ግዘ ሰሌዳ ምጅማር ከምዘይተኸኣለን ኣብ ክልተ ዙር ምኽፋሉን፣ ንዝርገሐ ናውቲ መረፃ ሕፅረት ትራንስፖርትን ከይዲ ምልመላ ዘይሻራዊ ኣፈፀምቲ ልዑል ጥንቃቐን ግዘን ዝወስድ ተግባር ምዃኑን እቶም ቀንዲ ኢዮም።

ስለዝኾነ ድማ ከይዲ ምዝገባ ሕፁያት ብምግምጋም ተወሳኺ መዓልቲታት ከምዘድሊዮ ብምርዳእ ኣብ ቀዳማይ ዙር ምዝገባ ሕፁያት ዝተገበረሎም ክልላት 4 ተወሳኺ መዓልቲታት ዝተናወሐ እንትኸውን፥ ኣብ ካልኣይ ዙር ምዝገባ ሕፁያት ዝተጀመረሎም ክልላት እውን ምድላው ቢሮታት ኣብ መጀመርታ መዓልቲታት ፀገም ኮይኑ ከምዝነበረ እቲ ቦርድ ተገንዚቡ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ድማ ካብ ምዝገባ ሕፁያት ልምዲ ብምውሳድን ብዘሐሸ ፅሬት ምዝገባ ንምክያድን ምዝገባ መረፅቲ ካብ ዝተተሓዘሉ 22 ለካቲት ናብ 16 መጋቢት 2013 ዓ.ም ንሕዋሕ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.