Fana: At a Speed of Life!

እዚ ሰሙን ምዕራባውያን ብዛዕባ ጭቡጥ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ድሌት ዘርአዩሉን ብተግባር እውን ምንቅስቓስ ዝገበሩሉን ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ፖለቲካ ዲፕሎማሲ፣ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ፣ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲን ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲን ዝምልከት መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝኾኑ ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ምዝርራቦም ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ እዋን ፥ ኢትዮጰጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ 85 ሚኢታዊ ማይ ከምተበርክትን 60 ሚኢታዊ ዝኾኑ ዜጋታታ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዘይምርካባ ኣብ ፀልማት ዝነብሩ ከምዝኾኑን ኣብሪሆም።

እቲ ግድብ ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝባ ብርሃን ክረክብ ንምግባር ተሓሲቡ ዝህነፅ ፕሮጀክት ምዃኑ ብሕባር፤ ሩባ ኣባይ ብፍትሓውነትን ማዕርነትን ኣብ ልምዓት ምውዓል ሕጋዊን ሉኣላዊን መሰል ኢትዮጵያ ከምዝኾነን ኢትዮጵያ ታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ናይ ምጉዳእ ድሌት ከምዘይብላን ገሊፆም።

ብወገን ሱዳንን ግብፂን ዝለዓሉ ስግኣታት ንምፍታሕ ሰለስተኣዊ ድርድራት እናተኻየዱ ምፅሖም ብምዝኽኻር፤ ዝለዓሉ ጉዳያት ብድርድር መፍትሒ ንኽረኽቡ ኢትዮጵያ ብቆራፅነት እናተሳተፈት ምፅናሓ ኣብሪሆም፡፡

ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ሓደ ኣካል ህንፀት ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና ምርግጋፆም ኣምባሳደር ኣብ መግለፂኦም ኣልዒሎም።

እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ ድማ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ለኸ ኣካላት ብዘካተተ መልክዑ ብዘይሻራዊ ኣካላት ምፅራይ ንኽግበር ምድላዋት ከምዝተገበረን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምትሕብባር ተፈፂሙ ዝትብሃለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምፅራይ ብሓባር ንምስራሕ ምስምዕመዖምን ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምዕራባውያን ብዛዕባ ጭቡጥ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ድሌት ዘርአዩሉን ብተግባር እውን ምንቅስቓስ ዝገበሩሉን ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክግንዘቡ ዝኸኣሉሉ ሰሙን ከምዝነበረ ተዛሪበቦም።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.