Fana: At a Speed of Life!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ 20 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ 20 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይራ።

ብብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዝተመርሐ ልኡኽ ሰላም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሎሚ መዐልቲ ናብ መቐለ ምምርሑ ይዝከር።

ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፣ ብፁኣን ኣበው ሊቃነ ጳጳሳት፣ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እታ ቤተ ክርስቲያን ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፣ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ካልኦት ኣባላት እቲ ልኡኽል ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳርን ኣብ ዝተረኸብሉ ንክልል ትግራይ 20 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይራ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.